34 ደመና እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ሰፈር ካብ ዝነቐሉሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።
በቲ ዝኸድዎ መንገዲ፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ምእንቲ ኽተብርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ መራሕኻዮም።
“ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፤ እቲ ብመዓልቲ መንገዲ ዝመርሖም ዝነበረ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ነቲ ዝኸዱሉ መንገዲ ዘብርሀሎም ዝነበረ ዓምዲ ሓዊ ካብኣቶም ኣይረሓቐን።
ደመና ንመጋረዲ ዘርግሐሎም፤ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኸብርሀሎም ዘርግሐ።
ብዅሉ መንገዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ደመና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ነበረሞ፥ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኣብኡ ነበረ።
ታቦት ክለዓል እንተሎ፥ ሙሴ “ኦ ጐይታ! ተስእ፤ ፀላእትኻ ኸዓ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዝፀልኡኻ ድማ ኻብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ።