31 ሙሴ ኸዓ “በይዛኻ ኣይትሕደገና፤ ኣብ ምድረ በዳ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒውን ክትኮነልና ኢኻሞ ኣይትሕደገና፤
ንዕዉር ዓይኒ፥ ንሓንካስውን እግሪ እኾኖ ነበርኩ።
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
ምሳና እንተ ኼድካ፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝገብረልና ዅሉ ሰናይ ነገር ንኣኻ ኽንገብረልካ ኢና” በሎ።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።