25 እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ።
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
“ሽዑ ብርሃንካ ኸም ጩራ ወጋሕታ ኽበርህ፥ ፈውስኻውን ቀልጢፉ ኽበቍል፥ ፅድቅኻ ቀቅድሜኻ ክኸይድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ብድሕሬኻ ኾይኑ ኽሕልወካ እዩ።
ካብ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ።
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ፋግኤል ወዲ ኤክራን ነበረ።
ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥ ሹም ደቂ ዳን ነበረ።
እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ።
እቶም ኣፅዋር ዝሓዙ ድማ ብሰልፊ ቐቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ይኸዱ ነበሩ። እቶም ካህናትውን መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።