24 ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ።
ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር ነበረ።
እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ።
ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥ ሹም ደቂ ብንያም ነበረ።