23 ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር ነበረ።
ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ፥ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥
እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።
ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር፥ ሹም ደቂ ምናሴ ነበረ።