2 “ብሩር ቀጥቂጥካ ኽልተ መለኸት ንኣኻ ስራሕ። ነቲ ማሕበር ንምፅዋዕ፥ ካብ ሰፈሮም ንምጕዓዝ ይኹነልካ።
እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ነቶም ዝሰርሑ ሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ፀገኑሉ እምበር፥ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዘድሊ ፃሕሊ ብሩር፥ መሳቐዪታት፥ ጭሐሎታት፥ መለኸት፥ ሓደ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይዓደጉሉን።
ኵሎም እቶም መዘምራን ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ፥ ኣሳፍ፥ ኤማን፥ ኤዶታም፥ ከምኡውን ደቆምን ኣሕዋቶምን ብፅሩይ ሃሪ ዝተኣልመ ኽዳን ለቢሶም፥ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን እናወቕዑ፥ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው ኢሎም ነበሩ። መለኸት ዝነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናትውን ምስኣቶም ደው ኢሎም ነበሩ።
ብሰርቂ ወርሒ፥ በታ ዓባይ ፍልጥቲ በዓልና፥ መለኸት ንፍሑ።
እቲ ዕልልታ ዝፈልጥ ህዝቢ፥ ብፁእ እዩ፤ ኦ ጐይታ ብብርሃን ገፅካ ይኸዱ።
ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ስራሕ፤ ኣብ ክልተ ወሰን እቲ መኽደን ድማ ግበሮም።
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ቐዋሚ ቐንዲል ስራሕ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ እግሩን ዘንጉን ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን፥ ነቲ ጕንዱ ዝመዓጐ ዕምበባን ዝመስል፥ ኣሰራርሓኡ ኸም ፅዋዕ ጌርካ ስርሓዮ።
ከንቱ ዝኾነ መባእ ወሲኽኩም ኣይተምፅኡለይ። ዕጣንኩም ብኣይ ፅዩፍ እዩ፤ በዓላት ሰርቂ ወርሕኹምን ሰናብትኹምን ብኽፍኣት ዝተመልአ ኣኼባታትኩምን ክዕገሶ ኣይከኣልኩን። ክፍኣት እናገበርኩም እትገብርዎ ኣኼባታትውን፥
ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ ኢልኩም፥ ኣብ ይሁዳ ተናገሩ፥ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ኣውጁ፤ ዓው ኢልኩም ድማ፥ “ተኣከቡ እሞ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ” ኢልኩም ንገሩ።
መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።
ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤ ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።
መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እዝ ህዝቢ ምእንቲ ኽእከብ መለኸት ንፍሑ፤ ግና ዓው ኣይተብልዎ።
ሓደ ጐይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት፥