45 ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ ዅሎም፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
እዚኣቶም እቶም ሙሴን ኣሮንን ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ መራሕቲ ደቂ እስራኤል ኮይኖም ዝቘፀርዎም እዮም። ነፍሲ ወከፎም ነናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።
ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።
ንስኻትኩም ኣቱም ዘጕረምረምኩምለይ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ተቘፂርኩም ዝነበርኩም ኵልኻትኩም፥ ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።