36 ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
ንሕና ኸዓ ንጐይታይ፥ ‘ሽማግለ ኣቦ ኣለና፤ ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ንእሽተይ ቈልዓውን ኣለና፤ ሓዉ ወዲ እኖኡ ስለ ዝሞተ ድማ፥ በይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ፤ ኣቦኡ ኸዓ ይፈትዎ እዩ’ በልናካ።
ደቂ ብንያም ድማ፦ ቤላ፥ ቤከር፥ ኣስቤል፥ ደቂ ቤላ ድማ ጌራ፥ ናዕማን፥ ኣኪ፥ ሮስ፥ ማንፌን፥ ሑፊም፥ ጌራም ንኣርድ ወለደ።
“ብንያም መንጣሊ ተዅላ እዩ፤ ንግሆ ዝመንጠሎ ይበልዕ፤ ምሸት ከዓ ዝማረኾ የካፍል።”
ካብ ነገድ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤሊዳሄ፥ ቀስትን ዋልታን ዝሓዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።
ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
ካብ ነገድ ዛብሎን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ዮሴፍ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ብንያም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወፁ ደቂ ብንያም፥ ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ሸውዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰባት፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ።