35 ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበረ።
እዚኣቶም ናይ ምናሴ ወገን እዮም ደቂ ምናሴ ብድምር ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።