22 ካብ ስምኦን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥
መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር ከም ዝተፀላእኹ ስለ ዝሰምዐ ነዙይ ድማ ሃበኒ” በለት፤ “ስምኦን” ኢላውን ሰመየቶ።
ዮሴፍ ከዓ ኻብኣቶም ግልስ ኢሉ በኸየ፤ ናብኣቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም፤ ንስምኦንውን ካብኣቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣሰሮ።
ደቂ ስምኦን፦ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት።
ነእዳወይ ውግእ፥ ነፃብዕተይ ሰልፊ ዝመሃረን እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይባረኽ።
ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።
ካብ ነገድ ስምኦን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሌዊ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥