2 “ናይ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ቍፅሪ ውሰድ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብቝፅሪ ስሞምን፥ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ቝፅሩ ውሰድ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ።
“ንደቂ እስራኤል ክትቈፅሮም እንተለኻ መቕሰፍቲ ኸይወርዶም፥ ነፍሲ ወከፍ ክቝፀር እንተሎ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ።
በቶም ዝተቘፀሩ ህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ብሩር ድማ፥ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ኪሎ ግራም ኮነ።
እዝ ፀብፃብ እዙይ ደቂ እስራኤል ክቝፀሩ እንተለዉ፥ እቶም ዝተቘፀሩ ሰባት ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝኸፈልዎ ድምር እዩ። እቶም ዝተቘፀሩ ድማ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ነበሩ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦
ካብ ስምኦን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥