19 ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦
ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ንዝነበሩ ዅሎም መፃእተኛታት ሰብኡት ቈፀሮም። ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ቕድምዙይ ከምኡ ገይሩ ቘፂርዎም ነበረ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉን፥ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ይሕፀቡ ነበሩ።
“ናይ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ቍፅሪ ውሰድ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብቝፅሪ ስሞምን፥ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ቝፅሩ ውሰድ።
እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፤ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ከዓ ተጕዓዙ።
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም።
ከም ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ነቲ ገንዘብ ቤዛ፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።