18 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ።
እዚኣቶም ድማ ኻብ ቴልሜላን ካብ ቴላሬሳ ካብ ከሩብ ካብ ኣዳንን ካብ ኢሜርን ዝደየቡ ነበሩ፤ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ዘይከኣሉ፦
ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ካብተን ቴልሜላ፥ ቴላሬሳ፥ ክሩብ ኣዶን፥ ካብ ኢሜር ዝወፁ እዚኣቶም እዮም፤ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን ሰባት ነበሩ። ግና ኻብ ህዝቢ እስራኤል ምዃኖም ከረድኡን ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ኣይከኣሉን።
ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ሰባት ወሲዶም፥
መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር።
መልከ ፄዴቅ ግና፥ ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወለደ፥ ካብ ኣብርሃም ኣስራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ።