Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ነህምያ 7:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኣነ ድማ ንኣኣቶም፦ “ንግሆ ፀሓይ ክሳዕ ዝመውቕ፥ ደገታት ኢየሩሳሌም ኣይከፈቱ፥ ምሸት ከዓ እቶም ሓለውቲ ቕድሚ ምኻዶም ይተዓፆን ይሸጐርን፤ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብተራኡ፥ ቀቅድሚት ቤቱ ይሓሉ” በልክዎም።

Ver Capítulo Copiar




ነህምያ 7:3
8 Referencias Cruzadas  

ስለዙይ ድሮ ሰንበት ነተን ደገታት ኢየሩሳሌም ዋግዋጎ ምስ ኮነ፥ ክዓፅዉወን ኣዘዝኩ፤ ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከዓ ኸይኸፍትወን ኣዘዝኩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ዝኾነ ሸኽሚ ኸይኣቱ፥ ካብ ሓሻኽረይ ኣብ ብዙሕ በርታት ኣቖምኩ።


ብድሕሪኦም ብንያምን ኣሱብን ኣብ መንፅር ቤቶም ዘሎ ሓደሱ። ካብኣቶም ቀፂሉ ኣዛርያስ፥ ወዲ መዕሴያ ወዲ ሓናንያ፥ ኣብ ጥቓ ቤቱ ዘሎ ሓደሰ።


ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ሓለቓ ዕርዲ ዝነበረን፥ ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌም ገይረ ሸምኩዎም። ሃናንያ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለፀ እሙንን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ።


እታ ኸተማ ኸዓ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ህዝቢ ግና ውሑዳት ነበሩ። እቶም ኣባይቲ ድማ ገና ኣይተሰርሑን ነበሩ።


እግዚኣብሄር ቤት እንተ ዘይሓነፀ፥ ሃነፅቲ ብኸንቱ ይደኽሙ። እግዚኣብሄር ከተማ እንተ ዘይሓልዩ፥ ሓላዊ ብኸንቱ ይተግህ።


መሸጐሪ መዓፁኺ ኣፅኒዑ እዩሞ፥ ንደቅኺውን ኣብ ውሽጥኺ ባሪኹዎም እዩሞ።


“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos