Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ነህምያ 7:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ሓለቓ ዕርዲ ዝነበረን፥ ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌም ገይረ ሸምኩዎም። ሃናንያ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለፀ እሙንን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ነህምያ 7:2
21 Referencias Cruzadas  

ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ዝብለኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ እየ እሞ።


ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤ እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤ እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥ እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥


ካባኻ ምስ ከድኩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፥ ኣነ ድማ ንኣክኣብ ምስ ነገርክዎ እንተ ዘይረኸበካ ኽቐትለኒ እዩ። ንስኻ ግና ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ምዃነይ ዘክር።


ኣክኣብ ድማ ንኣብድዩ ኣዛዚ ቤቱ ፀውዖ። (ኣብድዩ የመና ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ነበረ።


ካብ ኣሕዋተይ ሓደ ሓናኒን ካልኦት ሰባትን ካብ ይሁዳ መፁ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡን፥ ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ጠየቕክዎም።


ሆሴዕ፥ ሓናንያ፥ ኣሱብ፥


ብዛዕባኡ ንሰለምያን ንሳዶቅ ፀሓፍን፥ ካብ ሌዋውያን ድማ ንፈዳያ ተሓዝቲ መዝገብ ገይረ ሾምኩ። ንሓናን ወዲ ዘኩር ወዲ መታንያ ድማ ኽሕግዞም ሃብክዎም። እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ድማ፥ ነሕዋቶም ገግደኦም ከካፍልዎም ተመረፁ።


ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ።


እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።


ኣነ ድማ ንኣኣቶም፦ “ንግሆ ፀሓይ ክሳዕ ዝመውቕ፥ ደገታት ኢየሩሳሌም ኣይከፈቱ፥ ምሸት ከዓ እቶም ሓለውቲ ቕድሚ ምኻዶም ይተዓፆን ይሸጐርን፤ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብተራኡ፥ ቀቅድሚት ቤቱ ይሓሉ” በልክዎም።


ኣብ ምድሪ ዑፅ ኢዮብ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ፍፁምን ቅኑዕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ሰብ ነበረ።


ምሳይ ምእንቲ ኽነብሩ፥ ኣዒንተይ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እታ ምድሪ እየን፤ ብመንገዲ ንፅህና ዝኸይድ፥ ንሱ ኸገልግለኒ እዩ።


ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም።


ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።


ምስ ባርያይ ሙሴ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ኣብ ኵሉ ቤተይ እሙን እዩ።


“እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ?


ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።


ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም።


ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos