Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ነህምያ 4:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ኣነ ኸዓ “ኦ ኣምላኽና፥ ስማዕ! ተንዒቕና ኢና እሞ ላግፃኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ምእንቲ ኽብዝበዙ ንማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሃቦም።

Ver Capítulo Copiar




ነህምያ 4:4
7 Referencias Cruzadas  

መሊሰ ድማ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። እቶም ፀላእትና ኣህዛብ ምእንቲ ኸይፀርፉና፥ ንኣምላኽና ብምፍራሕ ክትከዱ ኸመይ ዘይግብአኩም?


ኦ ጐይታ፥ ነቶም ምብጫው ዘባጨዉልካ ጐረባብትና፥ ሸውዓተ ኢድ ጌርካ ኣብ ሕቝፎም ፍደዮም።


ንሱ ንመላገፅቲ የላግፀሎም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።


ታው። “ብኽያተይ በዚሑ፥ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ እሞ፥ ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ከምቲ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ድማ ንኣኣቶም ግበሮም።”


ኤፍሬም ግና ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፤ ስለዙይ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ፤ ጐይታኡ፥ ንፀርፉ ኣብ ልዕሊኡ ኽምልሰሉ እዩ።


ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios