3 ጦቢያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፦ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምኒ ዝሰርሕዎ ቕፅሪ፥ ወኻርያ እንተ ደየበቶ እኳ ዝፈርስ እዩ” በለ።
ወልደ ኣዴር ድማ “ነቲ ዝኽተለኒ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዕዅቲ ዕዅቲ እንተ በፂሕዎምስ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” ኢሉ ለኣኸሉ።
ንሱ ኸዓ “ሰላም ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖም፥ ብህይወቶም ሓዝዎም፤ ውግእ ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖምውን፥ ብህይወቶም ሓዝዎም” በሎም።
“ሕዚ ድማ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ። ንስኻ፥ ዝቕመጥዎም ክተምፅእ እንተ ኽኢልካስ፥ ክልተ ሽሕ ኣፍራስ ክህበካ እየ።
ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ንደቂ እስራኤል ፅቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመፀ ምስ ሰምዑ የመና ጐሃዩ።
ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ጌሳም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፥ ኣላገፁልናን ብንዕቐት ሰሓቑናን። ብምቅላል ድማ፦ “እዝ ንስኻትኩም እትገብርዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኻብ ንጉስዶ ኽትዕምፁ ትደልዩ ኣለኹም?” በሉና።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።
ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ።
“ኣሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲ ንዘለኣለምውን እንተ ኾነ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።