2 ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ሰማርያን ከዓ፦ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ነቲ ቕፅሪ መሊሶም ክነድቅዎ ድዮም ዝደልዩ ዘለዉ? ክስውኡኸ ድዮም? ብሓደ መዓልቲኸ ኽውድእዎ ድዮም? ካብቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ዅምራታት ሓመድ ዘሎኸ ንመንደቕ ዝኸውን ኣእማን ክረኽቡ ድዮም?” ኢሉ ተዛረበ።
ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር፥ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፤ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርሕዎም።
ቅፅሪ ኢየሩሳሌም፥ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ምእንቲ ኽምርቕዎ፥ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ ገበርዎም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ፤ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ደስ በሎም፤ እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን ከዓ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ።
ህዝቢ ይሁዳ ድማ “ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፤ እቲ ፍርስራስ ከዓ ብዙሕ እዩ፤ በዝ ምኽንያትዙይ ቅፅሪ ኽንነድቕ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
እቲ መካበቢያ ብወርሒ ኤሉል ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፥ ኣብ ውሽጢ ሓምሳን ክልተን መዓልቲ ተፈፀመ።
“ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርስ፥ ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ።
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።
እዙይ ፍለጥን ኣስተውዕልንውን፦ ‘እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነፅን እያ’ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ዝኾነ መሲሕ ዝመፅእ፥ ሸውዓተ ሱባዔን ስሳን ክልተን ሱባዔን ክኸውን እዩ። ኢየሩሳሌምውን ብዘመን ጭንቀት፥ ምስ ኣደባባያታን ቅፅርታታን መሊሳ ኽትህነፅ እያ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራሕኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ተግባራትካ ኣብ ማእኸል ዓመታት ፈፅም፤ ኣብ ማእኸል ዓመታት ክትፍለጥ፥ ኣብ ጊዜ ቝጥዓ፥ ምሕረት ዘክር።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ።
ንመዓልቲ ኣናእሽቲ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ? ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ እንትሪኡ ክሕጐሱ እዮም፤ እዞም ሸውዓተ እዚኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዮም።”
እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ።