4 ሜሪሞት፥ ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ ከዓ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሜሱላም ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሜሴዜቤል ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሳዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።
ካብ ደቂ ካህናት ከዓ፥ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ እቲ ኻብ ኣጓላት ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ቤርዜሊ እዮም።
በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እቲ ብሩርን ወርቅን እቲ ኣቑሑን፥ ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ ሜሪሞት ወዲ ኻህን ኦርዮ ተመዘነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሓስ ነበረ፤ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሌዋውያን፥ ዮዛባት ወዲ ኢያሱን፥ ኖዓድያ ወዲ ቢንዊን ነበሩ።
ቡኒ፥ ዓዝጋድ፥ ቤባይ፥
ሜሴዜቤል፥ ሳዶቅ፥ ያዱዓ፥
ሜሱላም፥ ኣብያ፥ ሚያሚን፥
ብድሕሪኡ ሜሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ፥ ካልእ ክፍሊ ኻብ በሪ ቤተ ኤልያሴብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሴብ ሓደሰ።
ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ።
ብድሕሪኡ ሓናንያ ወዲ ሰላምያን ሃኑን ሻድሻይ ወዱ ንፃላፍን ካልእ ክፍሊ ቐፂሎም ሓደሱ። ብድሕሪኡ ሜሱላም ወዲ በራክያ ኻብ መንፅር ቤቱ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ።
ቴቁሓውያን ከዓ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ። እቶም ክቡራቶም ግና ናብቲ ስራሕ ጐይታኦም ክሳዶም ኣየዘንበሉን።
ሴኬንያ ወዲ ኤራ ንጦብያ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፤ ይሆሓናን ወዲ ጦብያ ኸዓ፥ ጓል ሜሱላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ተመሓሒሎም ነበሩ።
ካብ ካህናት ከዓ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ ቤርዜሊ። (እዙይ ንደቂ ቤርዜሊ ዝወለደ፥ ካብ ዓሌት ቤርዜሊ ናይ ገለዓድ ሰበይቲ ኣእትዩ ብሽም ሓሙኡ ዝተፀውዐ እዩ።)