3 ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ።
ድሕሪዙይ ምናሴ ንኸተማ ዳዊት ካብ ወገን ምዕራብ ግዮን ጀሚሩ፥ ኣብታ ለሰ በታ ዓሳ ዝኣትዉላ ኣፍ ደገ ሓሊፉ፥ ክሳዕ ዙርያ ዖፌል ናይ ወፃኢ መካበቢያ ነደቐላ፤ የመናውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ኣሕሉቕ መምስ ሓሻኽሮም ኣቐመጠ።
ደቂ ሴናኣ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን።
ብልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤል በቲ ሚእቲ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ዘይሮም ድማ ኣብ ደገ ሓለውቲ ቖሙ።
ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ።
ሜሪሞት፥ ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ ከዓ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሜሱላም ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሜሴዜቤል ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሳዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።
ዮዳሄ ወዲ ፋሴሓን ሜሱላም ወዲ በሶድያን ከዓ ነቲ ዝኣረገ በሪ ሓደስዎ፤ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁ ድማ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።
ከምዙይ ድማ ኾነ እቲ ቕፅሪ ምስ ተነድቀ፥ መዓፁ ኣቖምኩሉ፤ ሓለውቲ ደገን ዘመርቲ ሌዋውያንን ድማ ኣብ ሰስራሖም ተመደቡ፤
ደቂ ሴናዓ፥ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን።
መሸጐሪ መዓፁኺ ኣፅኒዑ እዩሞ፥ ንደቅኺውን ኣብ ውሽጥኺ ባሪኹዎም እዩሞ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ይብል እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ብወገን ኣፍ ደገ ዓሳ፥ ድምፂ ብኽያት ክስማዕ እዩ። ካብቲ ኻልኣይ ደገ ኸዓ ኣውያት ክስማዕ እዩ፤ ካብቲ እምባታት ድማ ድዋዕዋዕ እናበለ ናይ ዝወድቕ ነገር ድምፂ ኽስማዕ እዩ።