1 እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ ቐደስዎ።
ኢያሱ ኸዓ ንዮኣቂም ወለደ፤ ዮኣቂም ንኤልያሴብ ወለደ፤ ኤልያሴብ ንዮኣዳ ወለደ።
እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ርእሶም ኣንፅሁ፤ ነቲ ህዝብን ንደገታትን ነቲ ቕፅርን ከዓ ኣንፅህዎ።
ብልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤል በቲ ሚእቲ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ዘይሮም ድማ ኣብ ደገ ሓለውቲ ቖሙ።
ሓደ ኻብ ደቂ ዮኣዳ፥ ወዲ ኤልያሴብ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሰንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገይሩ ነበረ እሞ ንዮያዳዕ ካባይ ሰጐጕክዎ።
ቅድሚ እዙይ፥ ኤልያሴብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ተሸይሙ ዝነበረ፥ ምስ ጦብያ ፅቡቕ ርክብ ነበሮ።
ብድሕሪኡ ባሮክ ወዲ ዘባይ ካብቲ መኣዝን ጀሚሩ ኽሳዕ በሪ ቤት ኤልያሴብ እቲ ዓብዪ ካህን ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ሓደሰ።
ብድሕሪኡ ሜሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ፥ ካልእ ክፍሊ ኻብ በሪ ቤተ ኤልያሴብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሴብ ሓደሰ።
ሰራሕቲ ወርቅን ነጋዶንውን ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መኣዘንን ኣብ መንጎ በሪ ኣባጊዕን ዘሎ ሓደሱ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።
ከምዙይ ድማ ኾነ እቲ ቕፅሪ ምስ ተነድቀ፥ መዓፁ ኣቖምኩሉ፤ ሓለውቲ ደገን ዘመርቲ ሌዋውያንን ድማ ኣብ ሰስራሖም ተመደቡ፤
ኦ ጐይታ፥ ተቐቢልካኒ ኢኻሞ፥ ንፀላእተይውን ኣየሐጐስካዮምንሞ ልዕል ልዕል ኣብለካ ኣለኹ።
ንፅዮን ክበብዋ፤ ኣብ ዙርያኣ ድማ ተመላለሱ፤ ግንብታታውን ቍፀሩ።
ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።
ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ፤
“እንሆ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ ካብ ግንቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን፥ ንእግዚኣብሄር እትሕነፀለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እዙይ ፍለጥን ኣስተውዕልንውን፦ ‘እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነፅን እያ’ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ዝኾነ መሲሕ ዝመፅእ፥ ሸውዓተ ሱባዔን ስሳን ክልተን ሱባዔን ክኸውን እዩ። ኢየሩሳሌምውን ብዘመን ጭንቀት፥ ምስ ኣደባባያታን ቅፅርታታን መሊሳ ኽትህነፅ እያ።
ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ።
ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል፥ ሓሙሽተ መመላለሲ ገበላ ዘለዎ ቓላይ ነበረ።
“እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነቶም ህዝቢ ‘ሓድሽ ገዛ ዝሰርሐ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ? ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከየመርቖስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱ ድማ ይመለስ።