2 እቲ ንጉስ ከዓ “ዘይሓመምካ እንተለኻ፥ ገፅካ ዝሓዘነስ እንታይ ኴንካ ኢኻ? እዙይስ ሓዘን ልቢ ደኣ እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን” በለኒ። ሽዑ የመና ፈራሕኩ፤
ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሹመኛታት ፈርዖን፥ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ኣብ ገፅኩም ሓዘን ዝረአ ዘሎ?” ኢሉ ጠየቖም።
ዝደንጐየ ተስፋ ንልቢ የሕዝኖ፤ ዝተፈፀመ ትምኒት ግና ኦም ህይወት እዩ።
ሕጉስ ልቢ ገፅ የብርህ፤ ናይ ልቢ ሓዘን ግና መንፈስ ይሰብር።