Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ነህምያ 2:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ ካብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ወይኒ ወሲደ ንንጉስ ሃብክዎ። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ሓዘን እነብር ነበርኩ።

Ver Capítulo Copiar




ነህምያ 2:1
9 Referencias Cruzadas  

ፅዋዕ ፈርዖን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፤ ነቲ ዘቢብ ወሲደ ናብ ፅዋዕ ፈርዖን ፀመቝክዎ፤ ነታ ፅዋዕውን ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ” ኢሉ ሕልሙ ነገሮ።


ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ፥ ናብ ናይ ቀደም ሽመቱ መለሶ። ንሱ ድማ ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ሃቦ።


ብዘመን ኣርጤክስስ ከዓ ቢሽላም፥ ሚትሪዳጡ፥ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብፆቱን ናብ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ፀሓፉ። ፅሕፈት እቲ ደብዳበ ኸዓ ብኣራማይስጥ ተፅሒፉ ነበረ እሞ፥ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጐመት።


ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ብመንግስቲ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ፥ እዝራ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥


ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ መዘምራንን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ናታኒምን ከዓ ብሻውዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርጤክስስ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።


ነህምያ ወዲ ሓካልያ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ካሴሉ ኣነ ነህምያ ኣብ ቅፅሪ ሱሳን ነበርኩ።


ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ።


ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ።


እዙይ ፍለጥን ኣስተውዕልንውን፦ ‘እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነፅን እያ’ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ዝኾነ መሲሕ ዝመፅእ፥ ሸውዓተ ሱባዔን ስሳን ክልተን ሱባዔን ክኸውን እዩ። ኢየሩሳሌምውን ብዘመን ጭንቀት፥ ምስ ኣደባባያታን ቅፅርታታን መሊሳ ኽትህነፅ እያ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos