Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ነህምያ 13:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ቅድሚ እዙይ፥ ኤልያሴብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ተሸይሙ ዝነበረ፥ ምስ ጦብያ ፅቡቕ ርክብ ነበሮ።

Ver Capítulo Copiar




ነህምያ 13:4
7 Referencias Cruzadas  

ኢያሱ ኸዓ ንዮኣቂም ወለደ፤ ዮኣቂም ንኤልያሴብ ወለደ፤ ኤልያሴብ ንዮኣዳ ወለደ።


ህዝቢ ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን፥ ሪኦም ተሓጐሱ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዝውፈ መስዋእትታትን በዅራትን ዓስራትን፥ ካብ ኵሉ ማሕረስ እተን ከተማታት፥ ከምቲ ሕጊ ግደ ካህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዝእክቡሉ ኽፍልታት ቤተ መዛግብቲ ዝእክቡ ዋናታት ኣቖሙ።


ሓደ ኻብ ደቂ ዮኣዳ፥ ወዲ ኤልያሴብ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሰንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገይሩ ነበረ እሞ ንዮያዳዕ ካባይ ሰጐጕክዎ።


ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ንደቂ እስራኤል ፅቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመፀ ምስ ሰምዑ የመና ጐሃዩ።


እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ ቐደስዎ።


ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሰንባላጥን ጦቢያን ጌሳም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ፀላእትናን ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕክዎ፥ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ዘይተነደቐ ሓደኳ ኸም ዘይተረፈ ሰምዑ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓፁ ኣብቲ ደገታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios