9 ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’
ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥
እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ፀሎትካን ምህለላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ነዛ ዝሰራሕኻያ ቤተ መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ። ኣዒንተይን ልበይን ከዓ ንሓዋሩ ኣብኣ ኽነብራ እየን።
“ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፥ ብምውዳስካውን ምእንቲ ኽንምካሕስ፥ ኣታ ናይ ምድሓንና ኣምላኽ ኣድሕነና፤ ካብ ኣህዛብ ከዓ ኣኻኽበናን ኣናግፈናን” በልዎ።
ነዝ ትእዝዝ እዙይ ንምፍራስ ወይ ከዓ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ንምጥፋእ ኢዱ ዘልዕል ዝኾነ ንጉስ ወይ ህዝቢ፥ ስሙ ኣብኡ ኽነብር ዝገበረ ኣምላኽ የጥፍኣዮ፤ ኣነ ዳርዮስ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዚዘ ኣለኹ፤ በጥንቃቐ ድማ ይፈፀም።”
ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽነመስግን፥ ብምስጋናኻውን ኽንምካሕስ፥ ኦ ጐይታ ኣምላኽና ኣድሕነና፤ ካብ ማእኸል ኣህዛብውን ኣክበና።
ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፥ ካብ ሰሜንን ካብ ባሕርን ከካብ ሃገሩ ኣከቦም።
እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ክሃንፃ እዩ፤ ነቶም ዝተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኽእክቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።
እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”
ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።
“ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣቱም ህዝብታት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ እቲ ንእስራኤል ዝበተነ ባዕሉ ኽእክቦ እዩ፤ ከምቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ዝሕሉ፥ ክሕልዎ እዩ ኢልኩም ኣውርዩለን።
እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል።
ስለዙይ “ንቤት እስራኤል በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ተነስሁ፤ ካብ ጣዖታትኩም ተመለሱ፤ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ገፅኩም ምለሱ።
“ካብ ህዝብታት ከምፅአኩም፥ ካብ ኵሉ ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እየ።
ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤
ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሓድራ ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩምኳ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህበኩም፥ ካብ ከፍትኹምን ካብ ኣባጊዕኹምን ሓሪድኩም፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸም ቃሕ ዝበለኩም ብልዑ።
ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ምድሪ ዅሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ኽትመፁ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ነታ መሕደሪኡ ድለዩ።
“ኵሉ እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርኩልኩም በረከትን መርገምን ምስ መፀኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብቶም ፋሕ ዘበለኩም ኵሎም ኣህዛብ ኴንኩም ከዓ፥ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም እንተ ሓሰብኩምዎ፥