6 እዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝፅልዮ ዘለኹ ፀሎት ብእዝንኻ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤ ኣዒንትኻ ይከፈታ፤ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤልውን እናዘዘልካ ኣለኹ፤ ኣነን ቤት ኣቦይንውን በዲልና ኢና።
ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስማዕ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።
ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ዘለዉ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ጌርና ኢና፥ በዲልና ኢና፥ ክፉእ ጌርና ኢና’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥
ሕዚ ድማ ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ተሓስቡ ኣለኹም። እንሆ ንስኻትኩም፥ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ትብድሉ ኣለኹም።
ኣቦታትና በደሉ፤ ኵሉ ኽፉእ ዝኾነውን ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ሓደግዎ። ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሓድሮ ቤተ መቕደስ ከዓ ረሓቑ።
“ሕዚ ኸዓ ኦ ኣምላኸይ! ኣዒንትኻ ናባና ዝጥምታ፥ ኣእዛንካውን ዘዳምፃ ክኾና እልምነካ ኣለኹ።
እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።
ሕዚ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙ፤ ፍቓዱውን ፈፅሙ፤ ኣብ ዙርያኻትኩም ካብ ዘለዉ ኣህዛብን ካብተን ጓኖት ኣንስትኹምን ተፈለዩ” በሎም።
ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ።
ንሱ ናብ ፀሎት ፅጉማት ተመልከተ፤ ልመናኦምውን ኣይነዓቐን።
ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፤ ዓመፅና፥ ክፉእውን ገበርና።
ኦ ጐይታ፥ ድምፀይ ስማዕ፤ እዝንኻውን ቃል ልመናይ ዘዳምፅ ይኹን።
ሓጢኣተይ ነኣኻ ኣፍለጥኩ፤ በደለይውን ኣይሰወርኩን፤ በደለይ ንእግዚኣብሄር ክናዘዝ እየ በልኩ፤ ንስኻውን ሓጢኣት ልበይ ሓደግካለይ።
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን፥ እዝኑ ኸዓ ናብ ልመናኦም እዩሞ።
ምሸትን ጊሓትን ቀትርን እቝዝም፤ እህህውን እብል ኣለኹ፤ ንሱውን ድምፀይ ይሰምዐኒ።
ኦ ጐይታ፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን አእዊ ኣለኹ፤
ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።
ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፤ ሕዚ ግና የለዉን፤ ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና።
“ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና።
ኣነውን እናተናገርኩን እናፀለኹን፥ ናይ ባዕለይን ናይ ህዝበይ እስራኤል ሓጢኣትን እናተናዘዝኩ፥ ስለ እቲ ቅዱስ እምባ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ እናለመንኩ እምህለል ነበርኩ።
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይውን፥ ከምዙይ ኢለ ፀለኹ ተናዘዝኩውን። “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን፥ ኪዳንካን ምሕረትካን እተፅንዕ፥ ዓቢይን ዝተፈራሕኻን ኣምላኽ!
“ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ በደልና፤ ክፍኣት ገበርና፤ ከዳዓትውን ኮንና፤ ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ሕግጋትካን ኣግለስና።
ኦ ጐይታ፥ ንሕናን ነገስታትናን፥ ኣሕሉቕናን ኣቦታትናን፥ በደልና፤ ሓፍረት ገፅውን ተኸደንና።
እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም?
ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።
ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ።
ለይትን መዓልትን እንተየቋረፅኩ፥ ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ፥ ብንፁህ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።