Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ነህምያ 1:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ካብ ኣሕዋተይ ሓደ ሓናኒን ካልኦት ሰባትን ካብ ይሁዳ መፁ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡን፥ ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ጠየቕክዎም።

Ver Capítulo Copiar




ነህምያ 1:2
12 Referencias Cruzadas  

እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ።


ንህዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብሙሉኦም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተዋጋእትን ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ብሙሉኦም ዓሰርተ ሽሕ ማሪኹ ወሰደ፤ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ፥ እንትርፊ እቶም ድኻታት፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።


እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።


ትእዛዝካ ኽነፍርስ ተመሊስና ኢናሞ፥ ምስ እዞም ርኹስ ስራሕ ዝሰርሑ ኣህዛብውን ተዋሲብና ኢናሞ፥ ካባና ኻብ ሞት ዘምልጥ ኽሳዕ ዘይህሉ ፈፂምካ ኣይትቈጠዐና።


ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ሓለቓ ዕርዲ ዝነበረን፥ ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌም ገይረ ሸምኩዎም። ሃናንያ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለፀ እሙንን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ።


ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”


እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።


እቶም ካብኣቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግቢታት ሽንጥሮ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቶም እናቘዘሙ፥ ኣብ እምባታት ክኾኑ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos