1 ነህምያ ወዲ ሓካልያ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ካሴሉ ኣነ ነህምያ ኣብ ቅፅሪ ሱሳን ነበርኩ።
ኣብ ውሽጢ እተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ። ብታሽዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኵሎም እቶም ህዝቢ በዝ ነገር እዙይን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናንቀጥቀጡ ኣብ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ መዘምራንን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ናታኒምን ከዓ ብሻውዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርጤክስስ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።
እቶም ማሕተሞም ዝገበሩሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ወዲ ሓካልያ ሓቴርሰታ ነህምያ፥ ሴዴቅያስ፥
ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ ካብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ወይኒ ወሲደ ንንጉስ ሃብክዎ። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ሓዘን እነብር ነበርኩ።
ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሓለቓኣቶም ክኸውን ዝተኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ካብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ዝኣክል ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሓለቓ ዝግባእ ምግቢ ኣይበላዕናን።
እቲ ኣዋጅ ድማ ኣብ ከተማ ሱሳ ተነግረ። እቶም ፈረሰኛታት ከዓ ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ናብ ኵለን ሃገራት ከዱ። ንጉስን ሃማን ድማ ኾፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ፤ ከተማ ሱሳ ግና ደንገፀት።
ብራእይ ከዓ ረአኹ፤ እንትርኢ ድማ፥ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ከም ዘለኹ ረአኹ። በቲ ራእይ ኣብ ጥቓ ሩባ ኡባል ነበርኩ።
ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ።