2 ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይፀናተውዎ ነበሩ።
ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤ ክቐትሎውን ይደሊ።
ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።
እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ።
ኢየሱስ ብሰንበት፥ ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ናብ ዝኾነ ሰብ፥ እንጀራ ኽበልዕ ምስ ኣተወ፥ ፈሪሳውያን ይፀናፀንዎ ነበሩ።
ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም፥ ይፀናተውዎ ነበሩ።
እዙይ ኢሎም ዝፈተንዎ፥ ምኽንያት መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ኢየሱስ ግና ድንን ኢሉ፥ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ኽፅሕፍ ጀመረ።
ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ፤ ካልኦት ድማ “ሓጢኣተኛ ሰብ ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ። ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ።