1 ኢየሱስ መሊሱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውኢ ዝተዛረቦ ነገር ምስ ሰምዐ፥ ንጉስ ኢዮርብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ “ሓዝዎ” በለ። እታ ዝዘርግሓ ኢዱ ግና ስለ ዝደረቐት ክመልሳ ኣይከኣለን።
ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ኽምህር ጀመረ።
ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንቲ እውን እናውፅአ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ።
እምበኣርከስ ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበትውን እዩ” በሎም።
ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋፅ ዝፅበዩ ብዙሓት ሕሙማትን፥ ዕዉራትን፥ ሓንካሳትን መፃጕዓትን ይድቅሱ ነበሩ።