6-7 እንሆ ኸዓ ኻብ መምህራን ሕጊ ገሊኣቶም ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ብልቦም ድማ “ንምንታይ እዩ እዝ ሰብ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ዝፃረፍ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ።
ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።
ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም፥ ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተረድአኩምን እዩ? ወይ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም? ልብኹምከ ደንዚዙ ድዩ?
በዙይ ከዓ ነቲ ዅሉ ሓሳብን፥ ንፍልጠት እግዚኣብሄር ብትዕቢት ዝቃረንን ነፍርሶ፤ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ፥ ንክርስቶስ ከም ዝግዛእ ንገብሮ።