3 ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንሓደ መፃጕዕ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ።
ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።