9 በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ፥ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ፥ ብዮሃንስ ተጠመቐ።
እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ ኽብሃል እዩ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መፂኡ ተቐመጠ።
ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ ረአየ፤
ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ” እናበለ ይሰብኽ ነበረ።
ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት።