6 ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።
ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ጨጓር፥ ኣብ ሕቘኡ ኸዓ ፈልቍ ዝተዓጥቀ እዩ” በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ “ንሱ ኤልያስ ቴስብያዊ እዩ” በለ።
ካብኣቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ ፋንጣ በብዓይነቱን ኣንበጣ በብዓይነቱን ኵብኩብታ በብዓይነቱን ጎደባ በብዓይነቱን።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን።
ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ፥ ፈልቊ ቘርበት፥ ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።
ኵሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን፥ ናብኡ እናኸዱ ሓጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
ንሱ ኸዓ “ካባይ ዝብርትዕ፥ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ፥ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ።