Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ማርቆስ 1:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2-3 ከምቲ ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያት፦ “እንሆ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ’ እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ” ዝብል ከም ዝተፅሓፈ፥

Ver Capítulo Copiar




ማርቆስ 1:2
13 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ኣነ “እንሆ፥ መፃእኹ” በልኩ፤ ብዛዕባይ ኣብ ርእሲ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ።


“እንሆ፥ መንገዲ ዝፀርግ ልኡኸይ ቀቅድመይ እልእኽ ኣለኹ። እቲ እትደልይዎ ጐይታ ኸዓ ናብ መቕደሱ ድንገት ክመፅእ እዩ፤ እቲ እትሕጐሱሉ መልእኽተኛ ቃል ኪዳን፥ እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ ኣነ ቐቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ እሞ።


ንሳቶም ከዓ “ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንህዝበይ እስራኤል ዝሕልዎም ንጉስ ካባኺ ኽወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ነገስታት ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ ዝብል፥ ብነቢይ ተፅሒፉ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ እዩ” በልዎ።


ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ።


ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ፥ ፋሕ ክብላ እየን’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም።


ኣታ ህፃንውን መንገዲ ልዑል ክትፀርግ፥ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ክትከይድ ኢኻ እሞ፥ ናይ ልዑል ነቢይ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።


ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos