11 “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማያት መፀ።
“ትእዛዛቱውን እናገር ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር በለኒ፦ ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።
“እንሆ እቲ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዘፍቅሮ ኣገልጋሊየይ፥ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፤ ንኣህዛብ ድማ ፍትሒ ኸብስር እዩ።
ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።
ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትወርድ ረአየ፤
ብሩህ ደመና መፂኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ፥ “እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።
ካብቲ ደመናውን፥ “እቲ ዝሓረኽዎ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምፂ መፀ።
ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።”
“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ከዓ፥ ባዕሉ መስኪሩለይ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ድምፁ ኸቶ ኣይሰማዕኹምን፤ መልክዑውን ከቶ ኣይረአኹምን።
ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ።
ካብ ምዉታን ብምትሳኡ ድማ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ብሓይሊ ዝተግሃደ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና እዩ።
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።