3 ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።
በዒንቱ ዝጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፤ ከናፍሩ ዝነክስ ከዓ ንኽፍኣት ይፍፅም።
ሓጥእ፥ መንገዲ ፍትሒ ንምቕይናን፥ ካብ ሕቝፊ ጉቦ ይቕበል።
ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብሰንኪ ኽፍኣቶም ክቐፅዖም ካብ ስፍራኡ ይወፅእ ኣሎ፤ ምድሪ ኸዓ ንደማ ኽትቀልዖ እያ፤ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይትኽውሎምን እያ።
ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ፥ ሰብ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ኽደፋፋእ እዩ። ቈልዓ ኣብ ልዕሊ ሽማግለታት፥ ሕሱር ድማ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ክዕበ እዩ።
ኣቕሓ ህሩፍ ክፍእቲ እያ፤ ፅጉም ቅኑዕ ነገር ኣብ ዝናገረሉ፥ ንሱ ብቓል ሓሰት፥ ነቲ ድኻ ንምጥፋእ፥ ክፉእ ሓሳብ ይሓስብ።
ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም!
ንዅልሻዕዶ ይቝጣዕ እዩ? ኽሳዕ መወዳእታውን ክቝጣዕ ድዩ?’ ትብሊ ኣለኺ፤ ግና እንሆ ኽሳዕ ዝኣኽለኪ ኽፉእ ትገብሪ ኣለኺ።”
“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤ ድንዙዛት ደቂ እዮም፤ ምስትውዓልውን የብሎምን። ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤ ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ።
ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣሕሉቓ ኣብ ውሽጣ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፥ ደም እናፍሰሱ ንነፍሳት እናጥፍኡ፥ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም።
እንሆ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ።
ንዅለን እተን ዝሓመቓ፥ ክሳዕ ሰጒጕኩም ፋሕ እተብልወን፥ ብጐድንን ብማእገርን ስለ ዝጐነፅኩምወን፥ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኹምወን፥
ንሱ ድማ በለኒ፦ “ሓጢኣት ቤት እስራኤልን ይሁዳን፥ የመና ዓብዪ እዩ፤ ‘እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፤ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርኢን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥ እታ ምድሪ ብደም፥ እታ ኸተማውን ብዓመፅ መሊአን ኣለዋ።
ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፤ ምንዝርናውን የብዝሑ ኣለዉ፤ ኣሕሉቓ የመና ነውሪ ፈተዉ።
“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።
ኣነስ በደልኩም ብዙሕ፥ ሓጢኣትኩም ከዓ ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ፃድቕ ተጨንቕዎ፤ ጉቦውን ትቕበሉ፤ ነቲ ምስኪን ኣብ ደገ ኣደባባይ ትገፍዕዎ ኣለኹም።
“ግና ኻብ ቀረባ ጊዜ፥ ህዝበይ ከም ፀላኢ ኾይኑ ተልዓለ፤ ሓሳብ ውግእ ካብ ዘይነበሮም፥ ብሰላም ካብ ዝሓልፉ ሰባት፥ ባርኖስ ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ገፈፍኩም።
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
ንስኻትኩም ግና ሰናይ እትፀልኡን፥ ክፉእ ከዓ እትፈትዉን ሰባት ኢኹም። ንህዝበይ ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ንስጋኦም ካብ ኣዕፅምቶም ፈላለኹምዎ።
“ኣነ ንኢየሱስ ኣሕሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ቕርሺ ሃብዎ።
ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።