2 ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።
ከም ኣንበሳ ኣብ ፅዑቕ ዱር ብስዉር የድቢ፤ ንድኻውን ክነጥቆ ይፃናቶ፤ ንድኻውን ይነጥቆ፤ ብመፃወድያኡውን ይስሕቦ።
ኦ ጐይታ፥ ሕያዋይ ተስኢኑ፤ ካብ ደቂ ሰብውን ምትእምማን ጐዲሉ እዩሞ፥ ኣድሕነኒ።
ንስንሳቶም ከንቱ ነገር ይናገሩ፤ ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ።
ነእጋረይ መፃወድያ ዘርግሑ፤ ንነፍሰይውን ኣጕበጥዋ፤ ኣብ ቅድሚተይ ጕድጓድ ኰዓቱ፤ ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ።
ንሳቶም፦ “ምሳና ነዓ፤ ኣድቢና ደም ነፍስስ፤ ንንፁህውን ብዘይ ምኽንያት፥ መፃወድያ ነፃውደሉ እንተ በሉ፥
ዘረባ ሓጥኣን ደም ንምፍሳስ ተድቢ፤ ኣፍ ቅኑዓት ግና የናግፎም።
ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ፥ ሰብ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ኽደፋፋእ እዩ። ቈልዓ ኣብ ልዕሊ ሽማግለታት፥ ሕሱር ድማ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ክዕበ እዩ።
ፃድቕ ይመውት፥ ግና ነቲ ነገር ብልቡ ዘስተውዕሎ የለን፤ ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ይውሰዱ፤ ፃድቃን ካብ ክፉእ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸም ዝውሰዱ፥ ዘስተብህል የለን።
ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐያ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፋ፤ ሓሳቦም ሓሳብ ክፍኣት እዩ፤ ጥፍኣትን ዕንወትን ድማ ኣብ መንገድታቶም ኣሎ።
ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
መሕደሪ ፍላፃታቶም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ኵላቶም ከዓ ጀጋኑ እዮም።
“ኣብ መንጎ ህዝበይ ክፉኣት ሰባት ኣለዉ፤ ከምቶም ኣዕዋፍ ክሕዙ መፈንጠር ኣፃዊዶም ዘድብዩ፥ መፈንጠር ዘርጊሖም ሰብ ይሕዙ ኣለዉ።
ፅን ኢለ ሰማዕኹ፤ ቅንዕና ኣይዛረቡን፤ ካብ ክፍኣቱ ዝናሳሕን ‘ስለ ምንታይ ክፉእ ገበርኩ’ ዝብልን የለን። ከምቲ ናብ ውግእ ዝፋንን ፈረስ፥ ነፍሲ ወከፎም በብመንገዶም ይኸዱ።
ዳዴ። ሰባት እግሪ እግርና ይከታተሉና ስለ ዝነበሩ፥ ብመንገድና ኽንከይድ ኣይከኣልናን፤ መወዳእታና ቐሪቡ፥ መዓልቲታትና ኣኺሉ እዩ፤ መወዳእታና በፂሑ እዩ።
ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዓገት ድስቲ፥ በዓልቲ ደም ዝኾነት ከተማ ወይለኣ! ነቲ ጉማድ ብጉማዱ ኣውፅኣዮ፤ ዕፃ ኣይወደቖን።
“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።
ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ።
“ግና ኻብ ቀረባ ጊዜ፥ ህዝበይ ከም ፀላኢ ኾይኑ ተልዓለ፤ ሓሳብ ውግእ ካብ ዘይነበሮም፥ ብሰላም ካብ ዝሓልፉ ሰባት፥ ባርኖስ ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ገፈፍኩም።
ኣሕሉቓ ንፅዮን ብደም፥ ንኢየሩሳሌም ድማ ብኽፍኣት እትሃንፁ ስምዑ።
ንስኻትኩም ግና ሰናይ እትፀልኡን፥ ክፉእ ከዓ እትፈትዉን ሰባት ኢኹም። ንህዝበይ ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ንስጋኦም ካብ ኣዕፅምቶም ፈላለኹምዎ።
“ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ።
ኣቦይ፥ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ረአ። ጫፍ ክዳንካ ኽቘርፅ እንተለኹ፥ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ተረዳእን ፍለጥን። ንስኻ እኳ ኽትቀትለኒ እንተ ደለኻ፥ ኣነ ግና ኸም ዘይበደልኩኻ ርኢኻ ፍለጥ።
ሕዚ ኸዓ ሰብ ንቖቓሕ ኣብ እምባታት ከም ዝሃድን፥ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቑንጪ ኽትደሊ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ደመይ ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ኣይፍሰስ” በሎ።