12 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ከተማታት ግብፅን፥ ካብ ግብፂ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስን፥ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ እምባታት ክሳዕ እምባታት፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።
ንሰሜን ‘ኣምፅእ’፥ ንደቡብ ከዓ ‘ኣይትኽላእ’ ክብሎ እየ። ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፥ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፥
እንሆ፥ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመፁ፤ እንሆ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፥ እዚኣቶም ከዓ፥ ካብ ምድሪ ሲኒም ክመፁ እዮም።”
ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን።
በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።”
እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ከምፅኦም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ምስኣቶም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን፥ ቅልውላው ሕርሲ ዝተትሓዘትን ሓቢሮም፥ ዓብዪ ህዝቢ ኾይኖም ናብዙይ ክምለሱ እዮም።
“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤ እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ። ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤ ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፥ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእኸሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፥ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ምድሮምውን ከእትዎም እየ።
ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።