Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሚክያስ 7:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እታ መካበቢያኺ እትስርሐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ወሰንኪ ኽሰፍሕ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ሚክያስ 7:11
12 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ኣነ፥ “ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ መከራ ኸም ዘለና፥ ኢየሩሳሌምውን ባዲማ፥ ደገታታ ኸዓ ብሓዊ ኸም ዝተቓፀለ ንስኻትኩም ትሪኡ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ንዝመፅእ ጊዜ መሳለቒ ኸይንኸውን፥ ንዑናይ፥ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ንስራሕ” በልክዎም።


ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ።


ጦቢያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፦ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምኒ ዝሰርሕዎ ቕፅሪ፥ ወኻርያ እንተ ደየበቶ እኳ ዝፈርስ እዩ” በለ።


እቶም ህዝቢ ብምሉእ ልቦም ስለ ዝሰርሑ፥ ነቲ ቕፅሪ ነደቕናዮ፤ ምብራኹውን ክሳዕ ፍርቂ ኣብፃሕናዮ።


“ኣቲ ዝተጨነቕኪ፥ ብንፋስ ኣውሎ ዝተናወፅኪ፥ ዘይተፀናናዕኺ፥ እንሆ ብዝኸበሩ ኣእማን ኣመልኪዐ፥ ክሃንፀኪ እየ፤ ብእምኒ ሰንፔርውን ክስርተኪ እየ።


ስፍራ ድንኳንኪ ኣስፍሒ፤ መጋረጃታት ድንኳንኪ ኣስፊሕኺ ዘርግሒ፤ ፈፂምኪ ኣይትቘጥቢ፤ ኣግማድኪ ኣንውሒ፤ ሽኻላትኪውን ኣፅንዒ።


ደቅኻ፥ ነቲ ቐደም ዝዓነወ ኽነድቑ እዮም፤ መሰረት ናይ ብዙሓት ትውልድታት ክተቕውም ኢኻ። ንስኻ ኸዓ ነዳቒ ፍሩስን፥ ናይ መንበሪ መንገዲ መዐረዪን፥ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።”


ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንፁ፥ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኸቑሙ፥ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝፈረሳ ኸተማታት፥ ክሕድሱ እዮም።


እዙይ ፍለጥን ኣስተውዕልንውን፦ ‘እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነፅን እያ’ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ዝኾነ መሲሕ ዝመፅእ፥ ሸውዓተ ሱባዔን ስሳን ክልተን ሱባዔን ክኸውን እዩ። ኢየሩሳሌምውን ብዘመን ጭንቀት፥ ምስ ኣደባባያታን ቅፅርታታን መሊሳ ኽትህነፅ እያ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos