5 ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”
ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበረ፤ እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ህያው ግበረኒ፤ ብፅድቅኻውን ንነፍሰይ ካብ መከራ ኣውፅኣያ።
ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈልጡኻ፥ ንፅድቅኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ቕኑዓት ልቢ ዘርግሕ።
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ ኣርያም ዓበይቲ ነገራት ገበርካ፤ ኦ ኣምላኽ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ?
ፅዮን ብፍርዲ፥ እቶም ናብኣ ዝምለሱ ኸዓ ብፅድቂ ኽድሕኑ እዮም።
ንፅባሒቱ ባላቅ ንበለዓም ወሲዱ ናብ ባሞት በዓል ኣደየቦ፤ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።
ባላቅ ድማ ንበለዓም “ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፥ ኣብኣ ዄንኻ ኽትረግመለይ በይዛኻ ነዓ” በሎ።
ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ።
ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ።
እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ።
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።
ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ካብ ቤትየሺሞት ክሳዕ ኣቤልሰጢም፥ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ።
እምበኣር ንስኻትኩም፥ ቀደም ብትውልድኻትኩም ኣህዛብ ዝነበርኩም፥ እቶም “ግሩዛት” በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘት ብምምካሕ፥ “ዘይግሩዛት” ኢሎም ይፅውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ።
ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ።
ምሉእ ዕድሜኹም ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለዩ።
ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።
“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።
ኢያሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣንጊሆም ሽጢም ካብ ዝበሃል ቦታ ተልዒሎም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ እንተይተሳገሩ ድማ ኣብኡ ሓደሩ።
እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!
እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።
ሕዚ ኸዓ ንስኻ ኻብ ባላቅ ወዲ ሴፌር ንጉስ ሞኣብዶ ትበልፅ ኢኻ? ንሱ ምስ ደቂ እስራኤልዶ ተባኢሱ እዩ? ወይ ምስኣቶምዶ ተዋጊኡ እዩ?
ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፥ ኣብ መንጎ ጋብላታት ኣብኡ ግብርታት ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ፅድቂ ኣሕሉቕ ድማ ይንገሩ፤ ብድሕሪኡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገታት ወረዱ።
እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ።