2 እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፤ ምስ እስራኤልውን ሙግት ኣለዎ እሞ፥ ኣቱም እምባታት፥ ንስኻትኩምውን ኣቱም ፅኑዓት መሰረት ምድሪ፥ ክርክር እግዚኣብሄር ስምዑ።
ካብ ተግሳፅ እግዚኣብሄር፥ ካብ መንፈስ እስትንፋስ መዓቱ ዝተልዓለ፥ መዓሙቝ ባሕሪ ተርኣየ፤ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዑ።
ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን፤ መሰረታት ሰማይ ተናወፁ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ኣንቀጥቀጠ፤
ንዘለኣለም ከይትናወፅ፥ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣፅንዓ።
ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሓልፍ፥ ንባሕሪ ኽውስኖ እንተሎ፥ ንመሰረታት ምድሪ ኸቕውም እንተሎ፥ ኣብኡ ነበርኩ።
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ንፍርዲ ተልዒሉ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቡውን ክፈርድ ቆይሙ ኣሎ።
“ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።
“ሕዚ እውን ኣቱም ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ሰብ ይሁዳ፥ እስኪ ሕዚ ኣብ መንጎይን፥ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ።
“ስለዙይ ምሳኻትኩም ክከራኸር እየ፤ ምስ ደቂ ደቅኹምውን ክከራኸር እየ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ምስ ኣህዛብ ክርክር ኣለዎሞ፥ ዓብዪ ድምፂ ኽሳዕ ምድሪ ኽጋዋሕ እዩ፤ ምስ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ክፋረድ እዩ፤ ንኽፉኣት ከዓ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰማያት ምልካዕ፥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መሰረት ምድሪ፥ ምምርማር እንተ ተኽኢሉ፥ ሽዑ ኣነውን ብሰንኪ እቲ ዅሉ ዝገበርዎ ሓጢኣት፥ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፤ ንያእቆብ ድማ ኸም መጠን መንገዱ ይቐፅዖ፤ ከም መጠን ስራሑውን ክምልሰሉ እዩ።
ኣብ ከርሲ እኖኡ እንተሎ ዅርኵሮ ሓዉ ሓዘ፤ ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
እቲ እግዚኣብሄር፥ “ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ እምባታት ተፋረድ፤ ንኾረብታታት ከዓ ድምፅኻ ኣስምዓዮም ዝበሎ ስምዑ።”
ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”
ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።