10 ብሓቂ ኣብ ቤት ሓጥእ፥ እቲ መዝገብ ሓጢኣትን፥ እቲ ፅዩፍ ናይ ሓሶት መስፈሪን ገና ይህሉዶ ይኾን?
ብሓጢኣት ዝተረኽበ ሃብቲ ኣይጠቅምን እዩ፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት የናግፍ።
ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ትኽክለኛ ሚዛን ግና የሐጕሶ።
ክልተ ዓይነት ሚዛንን፥ ክልተ ዓይነት መስፈሪን፥ እዚኣተን ክልቲአን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹሳት እየን።
ክልተ ዓይነት ሚዛን ብእግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ መታለሊ ሚዛን ከዓ ሰናይ ኣይኮነን።
ብሓሳዊ መልሓስ ዝተኣከበ ሃብቲ፥ ከም ግመ በኒኑ ይጠፍእ፤ ነዙይ ዝደልዩ፥ ንሞት ይደልዩ።
“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነቶም ኣብ ኣደራሻት ኣዛጦንን፥ ኣብ ምድሪ ግብፅን ዝነብሩ “ኣብ ርእሲ እምባታት ሰማርያ ተኣከቡ፤ ነቲ ኣብ ማእኸላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ግፍዕን ተመልከቱ” ኢልኩም ኣውጁ።
ስምካ ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይፅውዓ። “ንበትሩ ዘክሩ፤ በትሪ መቕሰፍቲ ሕሰቡ፤ ንእኡ ዘዳለዎውን መን ምዃኑ ፍለጡ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።
ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ እያ” በለኒ። ንሱ ድማ ቐፂሉ “እዙይ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ በደል ህዝቢ እዩ” በለኒ።
ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ።