9 ኢድካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ልዕል ልዕል ክትብል እያ፤ ኵሎም ፀላእትኻውን ክጠፍኡ እዮም።
ኦ ኣምላኸይ፥ ተስእ፤ ኢድካውን ልዕል ልዕል ትበል፤ ንነዳያንውን ኣይትረስዓዮም።
ኣብ ምድረ በዳ ኽድርብዮም፥ ንዘርኦምውን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክድርቢ፥ ናብ ዝተፈላለየ ሃገር ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኢዱ ኣልዓለ።
ኢድካ ንዅሎም ፀላእትኻ ትርከቦም፤ የማነይቲኻውን ንዅሎም ዝፀልኡኻ ትራኸቦም።
ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ።
ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።
እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም።
ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።
“ንሰረገላታት፥ ካብ ኤፍሬም፥ ነፍራስ ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስትታት ውግእ ክስበር እዩ፤ ንኣህዛብውን ሰላም ክእውጅ እዩ፤ ግዝኣቱ ኸዓ ኻብ ባሕሪ፥ ክሳዕ ባሕሪ፥ ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።”
ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።
ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ።