8 እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ።
ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?
ፀልማት ተምፅእ፤ ለይቲውን ይኸውን፤ ኵሎም ኣራዊት በረኻ ብኡኡ ይወፁ።
ብኣኻ ንፀላእትና ኽንወግኦም ኢና፤ ብስምካውን ኣብ ልዕሌና ንዝቖሙ ነዋርዶም።
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትርስዑ፥ ነዙይ ኣስተውዕሉ፤ እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን።
ደቦል ኣንበሳ ኻብ ኵሉ እንስሳ ዝበርትዐ፥ ዘይምለስ፥ ንእንስሳውን ዘይፈርሕ፥
ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን።
በቲ ኣፅዋር ገይሮም ሓዊ ኽእጕዱ እዮም እሞ፥ ካብ በረኻ ዕንፀይቲ ኣየእትዉን፤ ካብ ዱር ከዓ ኣይቘርፁን እዮም፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ክገፍዎም፥ ነቶም ዝዘመትዎም ከዓ ኽዘምትዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ ሰባቢረ ክኸይድ እየ፤ መንዚዐውን ክወስድ እየ፤ ዘድሕን ድማ የለን።
“ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም።
ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።
ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።”
ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም።
“ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኢየሩሳሌም ንዅሎም ኣህዛብ ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፤ እቶም ኵሎም ክስከምዋ ዝፍትኑ፥ ንባዕላቶም የመና ኽቘስሉ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ እውን፥ ኣብ ልዕሊኣ ኽእከቡ እዮም።
ግብፃውያን ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደየቡን በዓል ዳስ እንተ ዘየብዓሉን፥ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዘይድይቡ ኣህዛብ፥ ዝቐፅዐሉ መዓት ከውርደሎም እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤ ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤ ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤ ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥ ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።
በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ እቶም ኽፉኣት ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግርኹም ሓመድ ክኾኑ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ክትረግፅዎም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ከም ኣንበሳ ዓሪፉ ይድቅስ፤ ከም ዋዕሮ ድማ ተገዲሙ፤ ከተስኦ ዝደፍር መን እዩ? ንኣኻ ዝምርቕ ምሩቕ ይኹን፤ ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።”
እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖምኹም ግና፥ ካብታ ገዛ ወይ ካብታ ኸተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።
ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።
እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?
ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።