Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሚክያስ 5:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍራስካ ኻብ ማእኸልካ ኸጥፍእ፥ ንሰረገላታትካውን ክሰባብሮ እየ።

Ver Capítulo Copiar




ሚክያስ 5:10
9 Referencias Cruzadas  

ሃገሮም ብብሩርን ብወርቅን ዝመልአት እያ፤ ንሃብታቶም ድማ መወዳእታ የብሉን። ሃገሮም ከዓ ብኣፍራስ መሊኣ እያ፤ ብዝሒ ሰረገላታቶምውን ልክዕ የብሉን።


ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥ ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤ እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።


ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።


ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ።


ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።


“ንሰረገላታት፥ ካብ ኤፍሬም፥ ነፍራስ ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስትታት ውግእ ክስበር እዩ፤ ንኣህዛብውን ሰላም ክእውጅ እዩ፤ ግዝኣቱ ኸዓ ኻብ ባሕሪ፥ ክሳዕ ባሕሪ፥ ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።”


እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos