9 ስለ ምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እተእውዪ? ስለ ምንታይከ ሕርሳ ኸም ዝበፅሐ ሰበይቲ ቅልውላው ዝሕዘኪ? ንጉስ ስለ ዘየብልክን መማኽርትኺ ኸዓ ስለ ዝጠፍኡን ድዩ?
ክድንግፁ፥ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፤ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኸቕለልዉ፥ ተገሪሞም ንስንሳቶም ክጠማመቱ እዮም፤ ገፆም ከዓ ኸም ገፅ ሃልሃልታ እዩ።
ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።
ጥንስቲ ሰበይቲ፥ ክትወልድ ምስ ቀረበት፥ ቅልውላው ተትሒዛ ኸም እተእዊ፥ ኦ እግዚኣብሄር ንሕናውን፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኣ ኾንና።
ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!
“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ክሳዕ መኣዝ እየ ዕላማኡ ዝርኢ፥ ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ?
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።
ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።
“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”
ሬስ። እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ብዛዕባኡ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣብ ፅላሉ ብህይወት ክንነብር ኢና፤ ዝበልናዮ ህይወት እስትንፋስና፥ ኣብ ጕድጓዶም ተትሓዘ።
ሽዑ ንሳቶም “ንእግዚኣብሄር ኣይፈራሕናን እሞ፥ ንጉስ የብልናን። ንጉስ እንተ ነበረናኸ እንታይ ክገብረልና እዩ?” ይብሉ።
ከም እትሓርስ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኽመፆ እዩ፤ ኣብዝውለደሉ ጊዜ፥ ብኣፍ ማህፀን ቀኒዑ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ኣእምሮ ዘይብሉ ወዲ እዩ።
ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም።
ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም።
ሰበይቲ ኽትወልድ እንተላ፥ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበፅሓ ትጭነቕ፥ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ ዝተወለደ፥ ትሕጐስ፤ ነቲ ጭንቃውን ኣይትዝክሮን እያ።
ንሳ ጥንስቲ ነበረት፤ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝሓዛ ድማ፥ ክትወልድ ትፀዓር ነበረት።