Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሚክያስ 4:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።”

Ver Capítulo Copiar




ሚክያስ 4:7
32 Referencias Cruzadas  

“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።”


ዙፋን ምሕረት ክምስረት፥ ኣብኡውን ዝፈርድን፥ ቅንዕና ዝደልን፥ ፅድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥ እዩ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ክነግስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፥ ሽዑ ወርሒ ኽትሽቝረር፥ ፀሓይውን ክትሓፍር እያ።


ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”


እቲ ንእሽተይ ንሽሕ፥ እቲ የመና ውሑድ ከዓ፥ ንብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዙይ ብጊዜኡ፥ ቀልጢፈ ኽገብሮ እየ።”


ከምዙይ ዘመሰለ መን ሰምዐ? ኸምዙይ ዝበለኸ መን ረአየ? ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ? ህዝቢኸ ብሓንቲ ጊዜዶ ይውለድ እዩ? ፅዮን ግና ቕልውላው ምስ ሓዛ ሽዑ ንሽዑ እንተይተፅዓረት ደቃ ወሊዳ እያሞ።


በለኒውን፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ንሓዋሩ ዙፋነይ ዝነብረላን፥ እግረይ ዝረግፃን ቦታ እዚኣ እያ፤ ቤት እስራኤል፥ ንሳቶምን ነገስታቶምን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ፥ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን፥ ኣብቲ ላዕለዋይ ቦታኦም ድሕሪዙይ ኣየርክስዎን እዮም።


ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።


እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።


ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።


እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”


ግና ቝፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ ኽስፈርን ክቝፀርን ዘይከኣል ሑፃ ባሕሪ ክኸውን እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ኣብ ዝተብሃሉሉ ቦታ “ውሉድ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።


ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ መድሓኒት ክርከብ እዩ፤ ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝፅውዖም፥ ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም።


ኣነ ኣብ ቅዱስ እምባይ ኣብ ፅዮን ዝነብር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጡ ኢኹም። በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሩሳሌም ዝተቐደሰት ክትከውን እያ፤ ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም።


ኣብ ልዕሊ እምባ ኤሳው ክፈርዱ፥ እቶም ዘድሕኑ ናብ እምባ ፅዮን ክድይቡ እዮም፤ መንግስቲ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።”


“ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም።


እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።”


ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም።


ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።


እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”


በቲ ጊዜ እቱይ ክመልሰኩም እየ፤ በቲ እዋን እቱይ ክእክበኩም እየ፤ ምርኮኹም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ምስ መለስኩልኩም፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንዝኸበረ ስምን ንምስጋናን ክገብረኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ። ንመንግስቱውን መወዳእታ የብሉን” በላ።


እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos