5 ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤ ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
ግና ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዝቕመጥወን ከተማታት ኣማልኽቶም ገይሮም ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ጣዖት ኣንበርዎ።
ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኸም ልማዶም ይገብሩ ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ኣይፈርሕዎን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እቲ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ ያእቆብ ዝሃቦ ሕግጋትን ፍርድታትን ትእዛዛትን ኣይሓለዉን።
እግዚኣብሄር ነቲ ዝቐብኦ ኸም ዘድሓኖ ሎሚ ፈለጥኩ፤ ብዘድሕን ሓይሊ የማኑ፥ ካብ ሰማይ መቕደሱ ይምልሰሉ።
እዝ ኣምላኽ እዙይ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ፤ ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ።
ብሓይሊ እግዚኣብሄር ክኣቱ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ንፅድቅኻ ጥራሕ ክዝክር እየ።
እምበኣር ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ንዑ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብዘይ ንስኻ፥ ካልኦት ጐይቶት ገዚኦምና ነይሮም፤ ንሕና ግና ስምካ ጥራሕ ኢና እንዝክር።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።
ንኣኣቶም ሰናይ ካብ ምግባር ድሕር ከይብል፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፥ ካባይ ከይርሕቑ ኸዓ፥ ፍርሓተይ ኣብ ውሽጢ ልቦም ከሕድር እየ።
ብኣምላኾም ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፤ ብስሙውን ክምክሑ እዮም” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም።
እምበኣር ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፤ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ ፈፅምዎ።”
እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤
ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”