Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሚክያስ 4:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ኣፍ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተናጊሩ ኣሎሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን፥ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ክቕመጥ እዩ፤ ዘፍርሖውን የለን።

Ver Capítulo Copiar




ሚክያስ 4:4
25 Referencias Cruzadas  

ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ድማ ኻብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ብህድኣት ይነብር ነበረ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ይቕመጥ ነበረ።


እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት ‘እቲ ኽንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሕ እሓስብ ኣለኹ።


ዘፍርሕ ዘይብልካ ኽትድቅስ ኢኻ፤ ብዙሓትውን ልመና ኸቕርቡልካ እዮም።


እምባታትን ኰረብታታትን፥ ብፅድቂ ንህዝብኻ ሰላም ይቀበሉ።


በቲ ብድንገት ዝመፅእ መዓት ኣይትድንግፅን፤ በቲ ንሓጥኣን ዝመፆም ጥፍኣትውን ኣይትሽበርን፤


እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።”


ከተማታታ ኽባድማ እየን። መጓሰታት ዝውዕላለን ክኾና እየን፤ ዘፍርሐንውን የለን።


እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።


ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ።


ንጉስ ኣሶር ‘ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝመፅእ እሞ ንምድሪኹም ናብ እትመስል ምድሪ፥ እኽልን ወይንን፥ ምድሪ እንጀራን ኣታኽልቲ ዘቢብን፥ ክሳዕ ዘብፅሐኩም ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይውን ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ኦም በለሱ ኽበልዕ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ማይ ዒላኡ ኽሰቲ እዩ’ ይብል ኣሎ።


ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለፅ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኸዓ፥ ሓቢሩ ኽሪኦ እዩ።”


ብፅድቂ ኽትህነፂ ኢኺ፤ ካብ ግፍዒ ረሓቒ፤ ዘፍርሐኪውን ኣይህሉን፤ ስምባደ ኣይቐርበክን እዩ፤ ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን።


ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።”


ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር።


“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።


ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”


ድሕሪዙይ ዘመተ ኣህዛብ ኣይኾኑን እዮም። ኣራዊት ምድሪ ኸዓ ኣይበልዕዎምን እዮም፤ አረ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ዘፍርሖምውን የለን።


ናብታ ዘይተዓረደት ሃገር ክድይብ፥ ናብቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ ኵላቶም፥ ብዘይ ቅፅሪ ዘለዉ፥ መሀርሀርን መዓፁን ዘይብሎም ህዝቢ፥ ሓደጋ ኸውድቐሎም እየ፥ ክትብል ኢኻ።


ካብ ማእኸል ኣህዛብ ምስ መለስክዎም፥ ካብ ምድሪ ፀላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብኣቶም ምስ ተቐደስኩ፥ ሓደ እኳ ዘፍርሖም ዘይብሎም ኣብ ምድሮም ሃዲኦም ምስ ተቐመጡ፥ ሕፍረቶምን ንኣይ ዝበደሉኒ ዅሉ በደሎምን ክፆሩ እዮም።


ኣብ ምድሪኹም ሰላም ክህብ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ብዘይ ስግኣት ትድቅሱ፤ ዘፍርሐኩም እውን ኣይህሉን እዩ። ንሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ሰይፊ ድማ ብልዕሊ ምድሪኹም ኣይሓልፍን።


ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም።


እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”


በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑ ኾይኑ ንብፃዩ ኽዕድም እዩ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos